
ayzosh - sami dan & lij michael lyrics
Loading...
ጉያ-ጉያ!
ጉያ ጉያ ዶ ኾይኑ፥ ረሲዓ ማሕላ የ፧
ፈቃር ልበይ ከ ምስ መንያ ትሓድጎ ዘላ፧
ኣይትድንግጽን ዶ ቑሩብ፥ ዳሓመምኩላሲ
ጠንጢናትኒ ትኸይድ፥ ኣብ ደስ ዝበላ፧
ፍቕራ ኣብ ልበይ ምስ ታኣጉደ
ሚዛን ፍቕራ ምስ ከበደ
ውሽጠይ ባኣኣ ምስ ዓበደ
ዘየጉድል ሙሉእ ጁባ
ሃብታም ወዲ ድያ
ረኺባ ኣብዚሑ ዝህባ፧
እንዳበልኩዋ
“ዓለም በይነይ-
ጸራጊቱ ንሕሰመይ”
ወትሩ ምሳይ- ኣብዛ ጎድነይ
ሙሉእ ሃመይ ምስ ኣመና
ድኽነተይ ተጸይና ኮይናትኒ ጓና።
መሲልዋ እምበር
ድኽነት ዶ ኮይኑ ኣበር
ብገንዘብ ዶ ይንዋሕ ዩ
ኣይ ብፍቕሪ እንድዩ ዝንበር
ኣሚኑ ልበይ ኣጥሊልዋ እንድዩ
ምኡዝ ፍቕሪ
ግዳስ ከም ኢዱ ዝረክብ
ኮቶ የለን ኣብዛ ምድሪ
ብሓቂ! ተጋግያ እምበር
ከምዚ ዶ ይግበር!?
ብልባ ድያ ካልእ ኮይና ፧
ውሽጢ ውሽጠይ ናኣመና
ሒኽ ናበልኩ ከማዕርጋ
ፈውሲ ማሕላ ስኢነ ዋጋ፥
ኣይ ኣነ እንድየ ግዙእ ናታ
ንጉሆ!-ምሸት!-ዋላ ኣብ ከውታ!
በየን ከይዳ ካብዛ ጎነይ ፧
ጽልምት – ኢላ ‘ዛ ዓለመይ።
ብዘይ ብ’ኣ ዋላ ኣብቲ ብጹእ ገነት
ኣይጡዑምን ቡኡነት
ላንጋ-ላንጋ ዩ ህይወት፣
እሞ ኸ ዳኣ ሕጂ ‘ታይኹን ልበይ!፧
ሰፈር ንብዓት ከይከውን
መኽሪ ሃቡኒ ሰበይ!
መኽሪ ሃቡኒ ሰበይ!
መኽሪ ሃቡኒ ሰበይ!
Random Song Lyrics :
- out of my head - ryan manzira lyrics
- autumn 2 - suburbia lyrics
- məhşərdən qətrə - xpert lyrics
- this guy's in love with you - jackie wilson lyrics
- cuppa tea - rjldiablo lyrics
- eyeroh - shawn may lyrics
- hot shit - raffy017 lyrics
- meu cinderella - mijael kerenski lyrics
- liara - jpegmafia lyrics
- dishonor - undead ronin lyrics