
grum fkri | ግሩም ፍቕሪ - shalom h. naizgi lyrics
Loading...
ንጎደና ጽድቂ ጓና እንከለኹ
ርሕቀተይ ኣይረሓቖን ቀሪቡኒ ኣናድዩ
ሃብቱ ከውርሰኒ ዕዳይ ከፊልዎ
ናይ ኩነኔ ኣርዑት ካብ ልዕለይ ሴርዎ
ሕሉፍ ህልዊ መጻኢ ሓጥያተይ ወሲድዎ
ካብዚ ዝበልጽ ፍቕሪ እንታይ ኣሎ …ዎ
ዎ ግሩም ፍቕሪ፡ ናይ መስቀል ፍቅሪ
ዘይልካዕ ዋጋ ኣብ ክንዳይ ከፊሉ
ህይወት ሂቡኒ ብሞቱ
ዎ ግሩም ፍቅሪ
ሓያል ዓቢ ኣምላኽ ሰማያት ዙፋኑ
ንዓይ ንምድሓን ግን ኣብ መስቀል ውዒሉ
ቲ’ ወሃቢ ህይወት ሂወቱ ምሃኡ
ክብሪ ምኽሪ ኣምላኽ ዘስተውዓሎ ኣሎ ድዩ?
ብምድራዊ ጥበብ ዘይፍታሕ ምስጢር እዩ
ነቶም ዝበርሃሎም ብምግላጽ መንፈሱ እዩ …ዎ
ዎ ዓሚቕ ምስጢር፡ ናይ መስቀል ምስጢር
ክቡር ግኑን ስልጡን ኣምላኽ ክነሱ
ስለይ ክዋረድ መሪጹ
ዎ ዓሚቕ ምስጢር
የሱስ ገንሸል ኣምልኽ ሓንሳእ ተሰዊኡ
በቲ ክቡር ደሙ ዓወት ተኣዊጁ
ሓንሳእ ንሓዋሩ ጸላእተይ ረጊጽዎም
ኣጽዋሮም ገፊፉ ብግልጺ ስዒርዎም
እነብር ኣለኹ በቲ ዘፍቐረኒ
ካብ ሰዓርቲ ክበልጽ ዓወቱ ዝሃበኒ…ዎ
ዎ ብሉጽ ዓወት፡ ናይ መስቀል ዓወት
ናይ ሞት ፍርዲ ንዘልኣለም ህይወት ተቐይሩ
ጸጋ ጐይታና ስዒሩ
ዎ ብሉጽ ዓወት
Random Song Lyrics :
- daydreamin' - marc vinyls lyrics
- gọi tên bốn mùa - trịnh công sơn lyrics
- i figli della guerra - charles aznavour lyrics
- si te enamoras - axel muñiz lyrics
- englishman in new york (my songs version) - sting lyrics
- favorite mistake - fyke lyrics
- what river is this? - dizraeli lyrics
- dan harmon * - versionzorak lyrics
- hitch a ride - delta rae lyrics
- call out my name (a cappella) - the weeknd lyrics