
yesus tensiu የሱስ ተንሲኡ - shalom h. naizgi lyrics
ታሪኽ ኣይኮንኩን ዘምልኽ
ንምውት ኣይኮንኩን ዝሰግድ
ባዶ መቓብር ኣይሽልምን
ንዝኽሩ ሓወልቲ ኣየቅውምን
የሱስ ተንሲኡ እንሆ ኣብ የማን ኣብኡ
የሱስ ተንሲኡ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ
የሱስ ተንሲኡ ሰማይን ምድርን ገዚኡ
የሱስ ተንሲኡ ክወስደኒ ክምለስ’ዩ
ብማሕተም ሓቲሞም መቃብር እንተዓጸዉ
ወትሃደራት ቄሳር ኣጽኒዖም እንተሓለው
የሱስ ንሞት ስዒሩ ሓይሊ ጸልማት ደምዲሙ
ቦኽሪ ትንሳኤ ብርሃንና ፈሊሙ
የሱስ ንሞት ስዒሩ ሓይሊ ጸልማት ደምዲሙ
ቦኽሪ ትንሳኤ ብርሃንና ፈሊሙ
ታሪኽ ኣይኮንኩን ዘምልኽ
ንምውት ኣይኮንኩን ዝሰግድ
ባዶ መቓብር ኣይሽልምን
ንዝኽሩ ሓወልቲ ኣየቅውምን
የሱስ ተንሲኡ እንሆ ኣብ የማን ኣብኡ
የሱስ ተንሲኡ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ
የሱስ ተንሲኡ ሰማይን ምድርን ገዚኡ
የሱስ ተንሲኡ ክወስደኒ ክምለስ’ዩ
ተስፋ ቆሪጸ ንኤማሆስ ኣይግስግስን
ፈሪሳውያን ፈሪሐ ማዕጾይ ኣይሽጉርን
ትንሳኤን ሂወትን ዓወትን ኣውጁ
ሰዓሪት ጌሩኒ ንተስፋይ ሓዲሱ
ትንሳኤን ሂወትን ዓወትን ኣውጁ
ሰዓሪት ጌሩኒ ንተስፋይ ሓዲሱ
ታሪኽ ኣይኮንኩን ዘምልኽ
ንምውት ኣይኮንኩን ዝሰግድ
ባዶ መቓብር ኣይሽልምን
ንዝኽሩ ሓወልቲ ኣየቅውምን
የሱስ ተንሲኡ እንሆ ኣብ የማን ኣብኡ
የሱስ ተንሲኡ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ
የሱስ ተንሲኡ ሰማይን ምድርን ገዚኡ
የሱስ ተንሲኡ ክወስደኒ ክምለስ’ዩ
ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምውታት ኣይደልዮን
ጸሎተይ ዘይሰምዕ ጌረውን ኣይርእዮን
ዕጽው ቤት ሰንጢቁ ክእቱ ዝከኣሎ
ህያው ኢዩ የሱሰይ ኩሉ ግዜ ምሳይ ኣሎ
ዕጽው ቤት ሰንጢቁ ክእቱ ዝከኣሎ
ህያው ኢዩ የሱሰይ ኩሉ ግዜ ምሳይ ኣሎ
ተስፋይ ኣብዛ ምድሪ ተዝገብር ኔረ
እቲ መፈጸምታይ ዘደንግጽ ምኾነ
ብትንሳኤ የሱስ ግን ወንጌል ምሉእ ኮነ
ድሓርውን ብምጽኣቱ ዘልኣለም ክነብር ኢየ
ተስፋይ ኣብዛ ምድሪ ተዝገብር ኔረ
እቲ መፈጸምታይ ዘደንግጽ ምኾነ
ብትንሳኤ የሱስ ግን ወንጌል ምሉእ ኮነ
ድሓርውን ብምጽኣቱ ዘልኣለም ክነብር ኢየ
Random Song Lyrics :
- amor de compra y venta - marisela lyrics
- whole lotta money - co da cain lyrics
- elizabeth fraiser - the great outdoors lyrics
- dump truck - gangrene (oh no & the alchemist) lyrics
- tusz - jan serce lyrics
- em dius que el nostre amor... - quimi portet lyrics
- a la distancia - el estilo real lyrics
- morgenfest - fler farver lyrics
- only one - sessions@aol - yellowcard lyrics
- gloria - julissa lyrics